Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣጅማ ጫጫ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ከልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣጅማ ጫጫ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ነቲ ፕሮጀከት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ብዕሊ ኣጀሚረምዎ።

እቲ ግድብ 45 ነጥቢ 5 ሜትሮ ብራኸን 371 ሜትሮ ንውሓትን እንትህልዎ 55 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብ5 ቢሊየን ብር በጀት ዝህነፅ ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.