Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምዝዛም ፃዕሪ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሮጀክትን መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምዝዛም ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

2 ሺህ 160 ሜጋ ዋት ሓይል ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እቲ ግድብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ቀፂሉ ብግዝፈቱ መበል ካልኣይ ኢዩ።

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብ 2025 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ዝህነፅ ኢኮኖሚ 20 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ከምዘድሊዮ ኣብ ሰትራቴጂክ ትልሚ ከምዝተቐመጠ ተዛሪቦም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ።

ብመንፅር እዚ ፕሮጀክትን መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምዝዛም ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

እቲ ግድብ ኣብ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኮይሻ ከምዝተኻተተ ብምግላፅ፥  ፕሮጀክትን መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ብቕልጡፍ ምዝዛሙ እቲ ከባቢ ንበፃሕቲ ዓዲ ምቹው ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.