Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምግቢ ንዘድሊየዮም ወገናት ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሊ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምግቢ ንዘድሊየዮም ወገናት ዝገብሮ ድጋፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስተዛተዩ፥ ትካሎም ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ምስ እዚ ተተሃሒዙ ድማ ንዝገብሮ ሓገዝ 107 ሚሊየን ዶላረ ኣሜሪካ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ዴቪድ ቤስሊ ኣብ ትዊተር ገፆም፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.