Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 204 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 204 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት እቶም 728 ደቂ ተባዕትዮ፣ 169 ህፃናትን 307 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም ልዕሊ 48 ሺሕን 612 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.