Fana: At a Speed of Life!

176 ሰባት ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን ተሕምሺሻ ኩሎም ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 170 ተሳፈርቲን 6 ሰራሕተኛታትን ሒዛ እናተጉዓዘት ዝነበረት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ዩክሬን፥ ኣብ ከባቢ ኣየር ኢራን ምሕምሻሻ ስዒቡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እታ ነፋሪት፥ ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን ከተማ ቴህራን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኪህሚኒ ምስተልዓለት ብዙሕ እንተይፀንሐት ኣብቲ ከባቢ ምሕምሻሻ ተገሊፁ።

ኣቐባሊ ቓል ትካል ኣቪዬሽን ኢራን ሪዛ ጃፈርዛደህ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እታ 170 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ነፋሪት ምስተልዓለት፣ ኣብ́̕ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ሞንጎ ዝርከባ ፓራንድን ሻህሪርን ዝተብሃላ ከባቢታት ከምዝተሓምሸሸት ኢዩ።

እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ምስኮነ ድማ ጉጅለ መርማሪ በረራ ውሽጢ ዓዲ ከምዝተልኣኸ እቶም ኣቐባሊ ቓል ገሊፆም።

መልዐሊ እቲ ሓደጋ እንታይ ከምዝኾነን ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱን ብዕሊ ዝተገለፀ ሓበሬታ ዋላ ኣያሃሉ እምበር፥ ኣብታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ 176 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ግና ተረጋጊፁ ኣሎ።

እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኬየቭ እናተጉዓዘት ዝነበረት እንትትከውን፥ ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ድማ ኢራናውያንን ካናዳውያንን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

 

ፍልፍል፦ ቢቢሲን ኤቢሲ ኒውስን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.