Fana: At a Speed of Life!

4ይ ጉባኤ ዞባዊ ፍልሰት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ጉባኤ ዞባዊ ፍልሰት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣሰግድ ጌታቸው÷ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ስደት ንምክልኻል እናሳለጠቶም ዝርከቡ ትባራት ኣመልኪም መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ÷ እናጋጠሙ ዝርከቡ ስደት ሰባት ንምክልኻል ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ምክትል ሓላፊ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት ኣብ ኢትዮጵያ ጂያን ዣኦ ብግደኦም÷ኢትዮጵያ ፍልሰት ሰባት ንምክልኻል እናርሐቶ ትርከብ ተግባር ንምድጋፍ ብሓባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያ እንትኸውን÷ ሰብ ሞያ ዝተዛተዩሎም ጉዳያት ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስትራት ከምዘቕርቡ ተገሊፁ።

ተወከልቲ 11 ሃገራት ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ከምዘተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.