Fana: At a Speed of Life!

554 ዜጋታት ካብ ቤሩትን ስዑድ ዓረብን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)554 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ቤሩትን ስዑድ ዓረብን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብ ቤሩት ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎምን ኣብ ፀገም ዝነበሩ ዜጋታት ብዘይመቕፃዐቲ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ቤሩት ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ይዝከር፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ተመዝጊቦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 1 ሺሕን 239 ዜጋታት 215 ዜጋታት ካብ ከተማ ሊባኖስ ናብ ሃጎም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ ድማ 339 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ፡፡

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ተወካሊ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ቆንስላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.