Fana: At a Speed of Life!

ዋና ኣዛዚ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ዞባ ደቡብ ሰላማዊ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቃልሲ ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ዞባ ደቡብ ዝኾኑ ጃል ጎሊቻ ዴንጌ ብሸኔ እናተገበረ ዝርከብ ኣካይዳ ብምቅዋም ካብቲ ጉጅለ ተፈላሊዮም።

ልዕሊ 14 ዓመት ኣብ ግምባር ዞባ ደቡብ ንዕጡቓት ኦነግ ሸኔ እናመርሑ ዝነበሩ ጎሊቻ ዴንጌ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ኣማራፂ ሰላምን ዴሞክራሲነወ ተቐቢሎም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ተፀምቢሮም።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ድሕሪ ሕዚ ምውጋእ ኣድላዪ ኣይኮነን ክብሉ ኣካይዳ ሸኔ ካብ ዕላማ እናወፅአ ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡

ሸኔ ምስ ህወሓት ርክብ ምፍፃሙ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፈፀሞ በደል ምርሳዕ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ካልኦት ኣባላት ሸኔ ደው ኢሎም ንባዕሎም ክፍትሹን ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዱር ኮይንካ ምቅላስ ኣድላዪ ከምዘይኮነን ዝገለፁ እቶም ኣዛዚ፥ ዕድመ ሰላም መንግስቲ ንኽቕበሉ ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፥ ጃል ጎሊቻ ዝገበሩዎ ውሳነ መንግስቲ ብፅቡቕ ጎኑ ከምዝምልከቶ ብምሕባር ካልኦት ኣባላት ሸኔ ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ብኲናት ምፍታሕ ከምዘይከኣል ተረዲኦም ፃውዒት መንግስቲ ንኽቕበሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብዳግማዊ ዴግሲሳን ታሪኩ ለገሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.