Fana: At a Speed of Life!

ዕንቅፋትን ፈተናታትን ኣተዓናቒፎም ኣየትርፉናን – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዕንቅፋትን ፈተናታትን ኣተዓናቒፎም ኣየትርፉናን እኳደኣስ ድልድላት መሰጋገሪ ኮይኖም ከገልግሉና ኢዮም” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓለም ወሰንቲ ዝበሃሉ ፈጠራታት ዝተረኸቡ፣ ዘደንቑ ቴክኖሎጂታት ዝተሰርሑን ፀገም ዝፈትሑ መፍትሒታትን ዝተፈጠሩ ኣብ እዋን ፈተና ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ገሊፆም።

ኣብ እዋን ፈተና ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ዕንቅፋት ናብ ዕድል ንምልዋጥ ብንቕሓት ዝለዓሉ ብርቱዓት ከምዝኾነ ታሪኽ ስልጣነ ብዙሓት ሃገራት ከምዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሐፎም።

“ኩልና ተሓባቢርና እዚ እዋን ንሰናይ ለውጢ እንተተጠቒምናሉ፤ ብዘይጥርጥር ዝቕፅል እዋን ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝኾነሉ ኢዩ” ኢሎም።

“ብምድሪን ብሰማይን ኢልና፣ ሓይልና ኣተሓባቢርና፣ ክፍተታት ኣማሊእና፣ ንሓደ ዕላማ ተሰሊፍና፣ ኣብ ፍፃመ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ምዕባለ ኢትጵያ ክነብስር ኢና” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.