Fana: At a Speed of Life!

ባርኖስ ኣፍሪካ ኣብ ዞባ ጅማ ተራኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባርኖስ ኣፍሪካ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሸቤ ሰምቦ ከምዝተርኣየ ማእኸል ክሊኒክ እፅዋት ጅማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ማእኸል ኣይተ ቦና ሂርጳ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ባርኖስ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ቀበሌታት ተራኢዩ።

ብምዃኑ ድማ ልዕሊ 400 ሄክታር መሬት ኣብ ዝርከብ ምሸላ ባሕሪ፣ ጣፍ፣ ምሸላ፣ ዳጉሻን ሳዕሪታትን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተስፋሕፈሐ ስለዝኾነ እውን ሓረስቶት ዝራእቶም ብምፍታሽ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብተመስገን ኣለባቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.