Fana: At a Speed of Life!

መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ኣብ ካርቱም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትካል ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ሱዳን ካርቱም ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ÷ ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንኽጋገፅ እወንታዊ ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት መርኣያ ናይዚ ግደ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ካብዚ ብተወሳኺ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ድርቂን እዋናዊ ሓደጋታት ሓደጋ ውሕጅን ንምክልኻል ከምኡ እውን ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ምስ ኣባል ሃገራት ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፉ ዝርከቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብግደኦም÷ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ነቲ ዞባ ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.