Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ንበዓል 20 ጉንበት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብ መክእኽቶም፥ 20 ጉንበት ታሪኽ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝቐየሩ መዓልቲታት ሓንቲ ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊት፣ ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ንምግባር ብዙሓት ጀጋኑ ክቡር ዝኾነ ህይወቶም ሰዊኦም ኢዮም ክብሉ እውን ገሊፆም።

ተጋደልቲ 20 ጉንበት ናይ ህይወት ዋጋ ዝኸፈሉሉ ዕላማ፥ ግፍዒን ጭቆናን፣ ኣድልዎን ወግንናን ጠጠው ንኽብል፣ ማዕርነት፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ናይ ሓባር ምዕባለን ንምርግጋፅ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

“በዓል 20 ጉንበት ክነኽብር ዝግበአና እቶም ዕላማታት እናሓሰብና ክኸውን ይግባእ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ መዓልቲ እንትነኽብር ኣብ 20 ጉንበት ጠጠው ብምባል ዘይኮነስ ዝሓለፈ ብምግምጋምን ንቕድሚት ብምስጓምን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዕላማ ተጋደልቲ 20 ጉንበት ክነዕውቶ ንኽል ብኹለመዳይ መልክዑ ካብ ጉንበት 19 ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ እንትንኽእል ጥራሕ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረትሉ ዘስካሕኽሕ ኩነታት ምንጋፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትበፅሖ ናብ ዝግባእ ብርኪ ዕቤት ምብፃሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

“ዝኽሪ በዓል ዓወት 20 ጉንበት እንትነኽብር ብምትሕብባር ካብ 20 ጉንበት ዝበለፀ፣ ናብ 19 ጉንበት 19 ከይንምለስ ዝገብር ጥንኩር ስርዓት ንምህናፅ ቃልና ነሕድሰሉን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምልዋጥን ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ እነኣትወሉ እዋን ክኸውን ይግባእ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒትስር ኣቢይ፥ ብኽቡር ደሞምን ኣዕፅምቶምን ንኢትዮጵያ ዘፅንሑ ሰማእታት ክብሪን ሞገስን ተመኒዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.