Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐመጡ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝፍፅሞም ዘለዉ ተግባራት ከምዝድግፉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ምስ ዝቐመጡ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ተዛቲዮም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ብዋናነት ኣብ ምገባ ተምሃሮ፣ ማእኸላት ስራሕቲ ኢደጥበበን ኣይኖን ሓዊሱ ካልኦት ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ መብርሂ ሂቦም።

ስለዝኾነ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ነቶም ስራሕቲ ኣብ ምፍላጥን ምትእስሳር ዕዳጋ ወፃኢ ንክህልዎም ኣብ ምግባርን እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብግደኦም፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝፍፅሞም ዘለዉ ተግባራት ብምንኣድ ድጋፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.