Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ጉጅለ-7 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽባ ክገብራ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ጉጅለ-7 ዝኾና ሃብታም ሃገራት ኣብ ድኻታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ዝርከባ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክሰዳ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝገብራ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስተራት ጉዳያ ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ለንደን ተራኺቦም ነቲ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝወሃብ ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ስምምዕ ክገብራ ኢየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፥ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ምግባር ጠቓሚ ወፍሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ሓድሽ ውጥን ን12 ዓመታት ብቐፃልነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሃር ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም።

ዓባይ ብሪታኒያ፥ ናይቲ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ካናዳ፣ ጃፓንንን ጣልያንን ዝርከበኦ ጉጅለ ግዚያዊ ፕረዚደንት እያ፡፡

እቲ ረቡዕ ክፍረም ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ፥ ምምሃር ደቂኣንስትዮ፣ ፆታዊ ማዕርነት ማእከል እቲ ካብ ፀቕጢ ኮቪድ ንምውፃእ ዝግበር ምትሕብባር ንምግባር ዝዓለመ እዩ፡፡

ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ 796 ሚልዮን በዝሒ ዘይተምሃሩ ሰባት፥ ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.