Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒራታ፡፡

እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ጊኒ ንትገብሮ ፀወታ መለክዒ ቁመና ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣካይዳ፡፡

በቲ ፀወታ ድማ ኢትዮጵያ 1ን0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡

ብሕታዊት ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ ከነዓን ማርክነህ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ።

ብኣሰናዳእነት ኮትዲቭዋር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ዝግበር መፃረዪ፥ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ ኣብ ሞሮኮ ራባት 15ን 18 መጋቢት 2015 ዓ.ም ክትፃወት ኢያ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.