Fana: At a Speed of Life!

ሓፀርቲ ስፖርታዊ ሓሬታታት ዕለተ ሰኑይ

ሞሮኮ ካብ ውድድር ቻን ንባዕላ ምግላላ ተሓሩ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ መርሃ ግብሪ መፃረዪ ፀወታ ምድብ ምስ ሞሮኮ ፀወታ ዝነበራ ሱዳን ብፎርፌ ተዓዋቲት ኮይና፡፡

“ፅዋዕፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ናይ ምዕታር ዓቕሚ ኣለና” ክብል ፈረንሳዊ ተኻላኻላይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ራፋይል ቫራን ተዛሪቡ፡፡

ቫራን እዚ ዝበለኣብ ማንቹሪያ ደርቢ፤ ማንቼስተር ዩናይትድ ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓራ ነቲ ሊግ እናመርሓ ካብ ዝርከባ ጋንታታት ኣርሴናልን ማንቼስተር ሲቲን ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ምፅባባ ስዒቡ ኢዩ።

ምስ ኣርሰናል ምውድዳር ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለፀ ቫራን÷ ይኹን እምበር ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ንምዕታር ዕድል ከምዘለዋ ኣመልኪቱ፡፡

ኣርሰናል ብግደኣ÷ ትፅቢት ኣብ ዝተገበረሉ ፀወታ ሰሜን ለንደን ደርቢ ንቶተንሃም 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ።

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣርሰናል ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ዝገበረቶም ተኸታተልቲ ሓሙሽተ ፀወታታት እንተይተሰዓረት ክትጓዓዝ ዝኸኣለት እንትትከውን÷ ኣሰልጣኒ ማይክል ኣርቴታ እውን ንፈለማ እዋን ንቶትንሃም ካብ ሜድኡ ወፃኢ ክስዕር ክኢሉ፡፡

ማርቲን ኦዴጋርድ ድማ ኣብ ሲዝን እቲ ፕሪሚየር ኣብ ዝገበሮም 17 ፀወታታት 8 ሸቶታትን 5 ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾታት ኣመዓራርዩ ብምቕባል ኮኾብ ተፃዋታይ እታ ጋንታ ምዃኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ፀወታ ስፔን ሱፐር ካፕ ባርሴሎና ንሪያል ማድሪድን ብምስዓር ፅዋዕ ዓቲራ፤ በዚ ድማ ዣቪ ሄርናንዴዝ ኣብ ስፔናዊት ጋንታ ካታሎን ባርሰሎና ዝረኸባ ፈላመይቲ ፅዋዕ ትማሊ ምሸት ኮይናትሉ፡፡

ፀወታታት ምድብ ቻንሎሚ ምሽት ዝግበሩ እንትኾኑ÷ ምሽት ሰዓት ሓደ ማሊ ምስ ኣንጎላ፣ ምሸት ሰዓት 4 ድማ ካሜሮን ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ክራኸባኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.