Fana: At a Speed of Life!

መዛዘሚ ፅምብል በዓል 11 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)መዛዘሚ ፅምብል በዓል መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ።

ነቲ በዓል ንዘተሓባብሩን ፀጥታ ዘኽብሩን ኣካላት ኣቐዲሙ መደብ ኦሬንቴሽን ከምዝተውሃቦም ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል 11 ለካቲት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ኩለን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ክልል ትግራይ፣ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዓዲ ተፀምቢሉ ኢዩ።

ብብርኪ ክልል ድማ 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ብድሙቕ ኩነታት ምኽባሩ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.