Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ፈተነ ኒውክሌር ዝሽከም ናይ ውሽጢ ማይ ድሮን ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኒውክሌር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ኣልቦ ናይ ውሽጢ ማይ ኣውሮፕላን (ድሮን) ፈተነ ምክያዳ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊፁ፡፡

እታ ድሮን ካብ 80 ክሳብ 150 ሜትሮ ትልቀት ኣብ ውሽጢ ዘለዎ ማይ ልዕሊ 59 ሰዓታት ምስ ተጓዓዘት ኣብ ምብራቓዊ ጠረፍ ባሕሪ ከምዝተፈንጀረት ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ውሽጢ ማይ ምስተተኮሰት “ማዕበል ራዲዮኣክቲቭ” ክተልዕል ከምትኽእል እውን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ነቲ ፈተነ ብላዕለዋይነት ዝመርሑዎ እንትኾኑ፥ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን “ሰሜን ኮሪያ ዘይተገደበ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምክልኻል ዓቕማ ብቕልጡፍ እናዓበየ ምዃኑ ንኽግንዘባ” መጠንቀቕታ ክኾነን ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

እቲ “ሚስጥራዊ መሳርሒ” ሰሉስ ካብ ግዝኣት ደቡብ ሃምጊዮንግ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማይ ከምዝተቐመጠ ተሓቢሩ።

“ሃኤይል” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ መሳርሒ፥ ናይ ፀላኢ መርከባትን ወደባትን ብልዑል ሞገድ ራዲዮኣክቲቭ ንምቅፃል ተሓሲቡ ዝተሓንፀፀ ንድፊ ከምዝኾነ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.