Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዕጡቓት ህወሓት ጉጅላዊ ኣፅዋር ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ዕጡቓት ህወሓት ጉጅላዊ ኣፅዋር ተረኪቡ።

እቲ ርኽክብ ኣብ ላጪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምርኽኻብ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ተወካሊ ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩሪያ፥ እቲ ርኽክብ ሓደ ኣካል ስምምዕነት ሰላም ኢዩ ኢሎም።

ተወካሊ ዕጡቓት ህወሓት ብርጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለ ብግደኦም፥ እቲ ርኽክብ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ምፍፃሙ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣባል ኮሚቴ ተዓዛብን ኣረካብን ሕብረት ኣፍሪካ ብርጋዴር ጀነራል ቴፎ ሶኮሌ፥ እቲ ርኽክብ ስምምዕነት ሰላም ብፅቡቕ ኩነታት ይፍፀም ከምዘሎ መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.