Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ልቓሕን ሓገዝን 165 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ልቓሕን ሓገዝን 165 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ምዕራቕ መሬት ብምንካይ መፍረያይነት ንመውሳኽ ዝውዕለ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝርከባ 170 ወረዳታትን ኣብ 217 ተፋሰሳትን ተግባራዊ ዝግበር ስምምዕነት እንትኸውን÷ ልምዲታት ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምድንፋዕ ኣብ ውሽጢ 789 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ዝተሓቖፉ 4 ሚሊየን ወገናት ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብምኽንያት ለውጢ ንብረት ኣየር ንድርቂ ተቓላዕቲ ዝኾኑን ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ገባራት ናብረኦም ንምምሕያሽ ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.