Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓድነቶም ንከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓድነቶም ንከጠናኽሩ ፀዊዖም።

ኣብ መልእኽቶም፥ መራሕቲ ኣፍሪካ ብናይ ቀደም ኣቦታት ዝተጀመረ ሓድነት ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ቅድሚ 60 ዓመታት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ቀፃሊ ኣካይዳ ኣፍሪካ ንምውሳን ኩነታት ኣተኣናጊዳ  ኢሎ።

ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ዝወፅኣ 32 ሃገራት ወድብ ሓድነት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምጥያሸን ኣዘኻኺሮም።

ግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ኣብቲ ሕብረት ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓድነትና ንምጥንኻር ብሓባር ደው ኢልና ኣለና ምባሎም እውን ኣዘኻኺሮም ብሓባር ደው ኢልና ኣለና ምባሎም እውን ኣዘኻኺሮ።

ሎሚ ድሕሪ 60 ዓመት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን በዝሒ ሰብ ብምሓዝ ብበዝሒ ህዝቢ ካብ ዓለም ካልአይቲ ኣህጉር ምዃና ገሊፆም።

ሎሚ ኣባል  ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ብምዃን ኣብ መድረኻት ዓለም ወሳኒ ድምፂ ይኾና ኣለዋ ብምባል፥ ንኣፍሪካን ህዝባን ኣብ ዝረብሑ ዛዕባታት ኣፍሪካዊ ናይ ሓባር ቅዋም ብምፍላጥን ንኣፍሪካ ደው ብምባልን ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣጀንዳ 2063 ነምዕዋት ገና ብዙሕ ርሕቀት ይተርፈና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

“ህዝብና ሐዚ እውን ኣብ ድኽነት እናሎን ሰርዓትና ብግዕዝይናን አንታይ ኣእተወንን እንትሕመስ ነፃ ምውፃእና ምእዋጅ ንኽእል ዲና? ካብ ዘንፀላለዉና ፈተናታት ንምድሓን ካብ ባዕልትናን ኣህጉርናን ወፃእ እናደለና ነፃነት ምርግጋፅስ ይከኣል ዲዩ?” ክብሉ ሓቲቶም።

ስለዝኾነ መራሕቲ ኣፍሪካ ብናይ ቀደም ኣቦታት ዝተጀመረ ሓድነት ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.