Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ብስልኪ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ጉዳያት ቀጠና ኣፍሪካን ብዝምልከት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

ሲሪል ራማፎሳ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝኾኑ ጀሚሩ ጉዳያት ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ንክፍትሑ ዓሊሞም ንዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኢዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.