Fana: At a Speed of Life!

ተሳተፍቲ ሃገራት ውድድር ኩዕሾ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ናብ ኣዲስ ኣበባ የኣትዋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኩዕሾ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ)ተሳተፍቲ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚረን።

ከተሳታፊ ሀገራት መካከል የብሩንዲ፣ የደቡብ ሱዳን እና ሶማሊያ ከ17 ዓመት ብሔራዊ ቡድኖች ትናንት ማምሻውን አዲስ አበባ መግባታቸውን የኢትዮጵያ እግር ኳስ ፌዴሬሽን አስታውቋል

ካብ ሞንጎ ተሳተፍቲ ሃገራት ሃገራውያን ጋንታታት ብሩንዲ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲ ኣበባ ምእታወን ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር ካብ 21 መስከረም ክሳብ 9 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ክካየድ ኢዩ።

ኣብ ክልተ ምድብ ተኸፊሉ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኢትዮጵያ ሓዊሱ 10 ሃገራት ክሳተፋሉ ኢየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.