Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ሎሚ እውን ብኻሊእ ራዕዲ መሬት ተወቒዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪ ሎሚ እውን 5 ነጥቢ 7 ሬክተር ስኬል ብዝተመዝገበ ኻሊእ ምንቅጥቃጥ መሬት ተወቒዓ።

እቲ ናይ ሎሚ ወጋሕታ ሓደጋ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ዘጋጠሙ ሓደጋታት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ማዕኸናት ዜና ኣመልኪተን፡፡

5 ሺሕን 775 ህንፃታት፣ ሆስፒታላትን መንበሪ ኣባይቲን ድማ ዓኒዮም ተባሂሉ።

በቲ ዘጋጠመ ዕንወት ህንፃታት ብዙሓት ነበርቲ ንቑሪን ቀዝሒን እዚ ክረምቲ ከምዘቃለዖም እውን ሜትሮ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ነዚ ስዒቡ ኣብ 41 ሺሕ ግዚያዊ መዕቖቢ ካምቦታት ንዝርከቡ ዜጋታት ልዕሊ 300 ሺሕ ኮቦርታታት ከምዝተኸፋፈለ ተሓቢሩ፡፡

ካብ 65 ሃገራት 2 ሺሕን 600 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ንኣባላት መድሕን ህይወት እታ ሃገር ንምሕጋዝ ኣብ ቱርኪ ምብፀሖም ተገሊፁ።

ይኹን እምበር እቶም ህንፃታት ዝፈረሱሉ ኩነታት ንስራሕቲ ምድሓን ነብሲን ምትእልላሽ ኣስከሬንን ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ተሓሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.