Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ልቓሕን ዕቋርን ንልምዓታዊ ንጥፈታት ሃገርና ኣብ ምድጋፍ ልዑል ተራ ኣለዎም- ዶክተር ይናገር ደሴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ልቓሕን ዕቋርን ንልምዓታዊ ንጥፈታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምድጋፍ ልዑል ተራ ከምዘለዎም ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ገሊፆም።

ባንኪ ፀደይ ትካል ልቓሕን ዕቋርን  ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሃገርና ካብ ዝተጣየሹ ትካላት ልቓሕን ዕቋርን እቲ ፈላማይ ክበሃል ይኽእል ድማ ኢሎም።

ብሓፈሻ ባንኪታት ኢትዮጵያ 330 ሽሕ ዓማዊል ተለቃሕቲ ባንኪ ከምዘለዎም ብምሕባር፡- ዓማዊል ትካላት ልቓሕን ዕቋርን ግና ናብ 6 ሚሊየን ከምዝፅጋዑ ኣመላኺቶም።

በዚድማ ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ግልጋሎት ልቓሕ ኣብ ምሃብ ዝርከቡ እዚኦም ትካላት እዮም ኢሎም።

ኣብዚ ውሽጢ እዚ ከይዲ ትካል ልቓሕን ቑጠባን ኣምሓራ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ክልላት ልዑል ግደ ክፃወት ከምዝነበረ እውን ኣብቲ ምረቓ ባንኪ ፀደይ ኣልዒሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.