Fana: At a Speed of Life!

“ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ኩሉ ዜጋ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ” – ነበርቲ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ምትንፋስ ጀሚሩ ኢዩ፤ ንተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ኩሉ ዜጋ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ” ክብሉ ነበርቲ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ በቲ ስምምዕነት ሰላም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ ንተግባራዊነቱ ኩሉ ብምትሕብባር ንኽሰርሕ ፀዊዖም፡፡

ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓድዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሰምምዕነት ሰላም መላእ ኢትዮጵያውያን ክዕወቱ ዝገበረ ኢዩ፡፡

በቲ ኲናት ህይወት ከምዝተገበረ፣ ሃፍቲን ንብረትን ከምዝዓነወን ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ካብዚ ንላዕሊ ፀገም ክበፅሓ ኣይግባእን ኢሎም።

“ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት ኢና፤ ፀገማትና ብሰላም ብምፍታሕ ሓደ ምዃንና ነርእየሉ እዋን ሕዚ ኢዩ” ክብሉ  ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኲናት ሰልቺዩዎ ኢዩ ዝብሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ÷ በቲ ስምምዕነት ሰላም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣትረፍቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.