Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኣትሌት ኣማኒ በሪሶን እና ለተሰንበት ግደይን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ቫሌንሺያ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን እተን ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዕድል ቀኒዒወን፡፡

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣማኒ በሪሶ 2 ሰዓት 14 ደቒቓን 58 ሰከንድን ብዝኾነ ርሕቐት ብምውዳእ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ ተዓዊታ።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ድማ 2 ሰዓት 16 ደቒቓን 48 ሰከንድን ብምእታው ናይ ባዕላ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ነቲ ውድድር ካልአይቲ ኮይና ዛዚማቶ፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ማራቶን ቫለንሺያ ኢትዮጵያ ካብ ሜዳልያ ወፃኢ ክትከውን ከላ÷ ኬንያዊ ኬልቪን ኬፕቱን ነቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.