Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስሩዕ 24 ሰዓት መዓልታዊ መግለፂ ካብ ዝተውሃበ ሓበሬታ ብተወሳኺ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ 4 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስሩዕ 24 ሰዓታት ካብ ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ክልል ኣብ 41 ሰባት ብዝተገበራ ምርመራ ላቦራቶሪ ኣርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 34 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 433 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.