Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝዝቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ናብ መቐለ ክጓዓዝ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝዝቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ናብ መቐለ ክጓዓዝ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን ዶክተር ሰለሞን ኣብርሃ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ላዕለዋይን ሓፈሻዊን ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ንምዝታይ ኢዩ ናብ መቐለ ዝኸይድ።

ኣብ ፃንሒቱ ምስ ኣመራርሓ ዩንቨርስቲታት መቐለን ዓዲግራትን ከምዝዛተ ድማ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.