Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓደጋ መገዲ ትራፊክ ኣብ መዓልቲ ህይወት 13 ሰባት ይሓልፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ድሕንነት መገዲ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ዎርክሾፕ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚአብሔር ሓዊሱ ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ካላት ተረኺቦም።

እቲ ዳህሳስ መፅናዕቲ ድሕንነት መገዲ ብኣተሓባባሪነት ኮሚሽን ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ዝተሰናድአ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዳህሳስ መፅናዕቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓደጋ መገዲ ትራፊክ ኣብ መዓልቲ ህይወት 13 ሰባት ከምዝሓልፍ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽፋን መንገዲ ኣስፋልት 14 ሚኢታዊ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መፅናዕቲ፥ እቲ 80 ሚኢታዊ ዝኸውን ሓደጋ ኣብ መገዲ ኣስፋልት ከምዝበፅሕ እውን ተገሊፁ።

ካብ ዝበፅሑ ጋደጋ ትራፊክ እቶም 85 ሚኢታዊ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ደቡብን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ዝበፅሕ ሓደጋ ትራፊክ ሕፀረት ግንዛበ ኣሽከርከርቲን መገደኛታትን፣ ድኹም ምርመራ ቴክኒክ ተሸከርከርቲ፣ ምብርኻት ዝኣረጉ ተሸከርከርቲ መላለስቲ ህዝቢ፣ ክፍተት ኣወሃህባ መንጃ ፈቓድ፣ ድኽመት ስርዓት ቁፅፅር፣  ፀገም ዲዛይንን ፅሬትን መገዲ ድማ መበገሲ ምኽናያት ናይቲ ዝፍጠር ፀገም ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽዘተ መደረ ዘስምዑ ወይዘሮ ሙሉ ገብረእግዚአብሔር፥ እቲ ሚኒስቴር ቤተ ዕዮ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ ዝዝፍጠር ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን ንምንካይ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ ድሕንነት መገዲ ኣቐዲምካ ንምርዳእን ግቡእ ትኹረት ንመሃብን ሃገር ለኸ ወፍሪ መውቢ ግንዛበ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብቲ መድረኽ ዝቐርብ ውፅኢት ዳህሳስ መፅናዕቲ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ዓውዲ ኣናሳለጦም ንዝርከቡ ስራሕቲ ተወሳኺ እታወት ከምዝኾኖ ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ አእዋን ህይወት ደቅ ሰባት እናቐንፀለ ዝርከብ ሓደጋ ድሕንነት መገዲ ንምንካይ ምስ ሕብረተሰብ ብዝተጠናኸረ ኩነታት ከምዝስራሕ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.