Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን  መግለፂ ተዋሂቡ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ እዋናዊ ኩነታት ዝገምገመ እቲ ግብረ ሓይሊ፥ እቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ከምዝፍፀም ዝፀንዐ እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ካብ ዝውዝዑ ሓበሬታታትን ብመሰረት ዝተኣከቡ መረዳእታታትን ብኣቦታት እምነት ኣብ ተመሳሳሊ እዋንን ቦታን ዘይሕጋዊ ፃውዒት ሰልፊ ብምግባር ህይወት ዜጋታት ዝቐጥፍ ኣጋጣሚ ንክፍጠር ጎስጓሳት ይግበሩን ካልኦት ጎንፂ ዘለዓዕሉ ተግባራት ይፍፀሙ ከምዘለዉ ምርግጋፁ ሓቢሩ።

እዚ ኣካይዳ ነቲ ኣጋጣሚ ከምሽፋን ብምጥቃም ምስ ውሽጢን ግዳምን ዋዲዶም ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሑ ፀረ ሰላም ሓይሊታት በሪ ይኸፍት ከምዘሎ መላእ ህዝብን ሰዓብቲ እቲ እምነትን ግንዛበ ክወስዱ ኣለዎም ኢሉ።

ትማሊ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ትልሚ እንትተሓዝ “ንሕና ከይፈቐድና ኣየትሃንፁን” ዝብሉና ዝነበሩ ታሪካዊ ፀላእትና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከም ዕድል ብምጥቃም ኣፈላላይ ዘጉልህን ነቲ ፀገም ኣብ ዘጋድድን ምንቅስቓስ ምርካቦም ዝሕበር መረዳእታ ምርካቡ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ህዝቢ፣ ኣቦታትን ሰዓብቲን እቲ እምነት ታሪኻዊ ፀላእቲ ምስ ውሽጣዊ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ከምኡውን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ብኣቋራፂ ስልጣን ምስ ዝደልዩ ውሱናት ፓርቲታት ፖለቲካን ብምውዳድ ሃገር ናብ ዘይዛሪ ናዕቢ ንምእታው ዝገብርዎ ዘለዉ ጎስጓስን ምንቅስቓስን ብዕሊ ብምግንዛብ መፈፀምቲ እቲ እኩይ ተግባር ንከይኾኑ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ሃገር ናይ ድሕንነት ስግኣት ከምዘለዋ ብምምሳል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምትእጉጓል ኮነ ተባሂሉ ብትልሚ ይምራሕ ከምዘሎ እውን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን  ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ በዚ ጉዳይ ብዝምልከቶ ኣካል ዝተፈቐደ ሰልፊ ዘየለ ምዃኑ ብምፍላጥ፥ ህዝቢ ካብ ዘይሕጋዊ ሰልፊን ጎንፂ ዘለዓዕል ተግባራትን ንገዛእ ርእሱ ንክሕሉ ኣጠንቂቑ።

መላእ ህዝቢ፣ ኣቦታትን ሰዓብቲ እቲ እምነትን ንሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዘብዒ ብምዃን ምስ ፀፅታን ድሕንነትን ብምዃን ንክሰርሑን ዝኾነ ይኹን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ንክፍታሕ ግድኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.