Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግዝኣታት ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ኣውሎ ንፋስ 26 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግዝኣታት ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ 26 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝተወለዐ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ኣብ ግዝኣት ሚሲሲፒ 25 ሰባት ህይቶም እንትሓልፍ÷ ኣብ ግዝኣት ኣልባማ ድማ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ፡፡

እቲ ኣውሎ ንፋስ ኣብ ግዝኣት ሚሲሲፒ ትርከብ ከተማ ሮሊንግ ፎርክ ከምዘዕነዋ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣባይቲ እታ ከተማ ናብ ፍርስራስ ከምዝቐየሮም፣ መኻይን ከምዝገለባበጠን ህንፀት ግድብ ማይ እታ ከተማ ከምዝሃንደሰን ተሓቢሩ፡፡

ኣብተን ግዝኣታት ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ኩነታት ኣየር ጃክሰን፥ እቲ ኣውሎ ንፋስ ልዑል ሓይሊ ዘለዎ ከምዝኾነን ብሰዓት ካብ 265 ክሳብ 320 ኪሎ ሜትሮ ዝበፅሕ ሓይሊ ከምዘለዎን ኣመልኪቱ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ስዒቡ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሃንደበታዊ ሓደጋ ከምዝኣወጁ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.