Fana: At a Speed of Life!

ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 175 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሔራዊ ባንኪ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 175 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሔራዊ ባንኪ ከምዝኣተወ ግብረ ሓይሊ ቁፅፅር መዓድን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ÷ ካብ 1 ጥቅምቲ ክሳብ 15 ሕዳር 2015 ዓ.ም ዘሎ ኣፈፃፅማ ስራሕ ገምጊሙ ቀፃሊ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ዝፈሪ ወርቂ ሙሉ ብሙሉእ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከየኣቱ÷ ዘይሕጋዊ ዝውውር ወርቂ ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝኾነ ዝገለፀ እንትኸውን÷ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ዝተርኣየ ኣፈፃፅማ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ኣፍረይቲ ወርቂን ኣዘዋወርቲን ሕጊ ተኸቲሎም ንኽሰርሑ ዘተሓሳሰበ እቲ ግብረ ሓይሊ÷ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ልዕሊ ዘየእትዉ ኣፍረይቲ፣ ኣዘዋወርቲን ካልኦት ተዋሳእቲን ዝጀመሮ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.