Fana: At a Speed of Life!

ክልተ መተንፈስቲ ማይ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሞም ስራሕ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ መተንፈስቲ ማይ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሞም ስራሕ ከምዝጀመሩ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ስለሺ በቀለ ገሊፆም፡፡

እቶም ክልተ መተንፈስቲ ማይ ስራሕ ዝጀመሩ ህንፀቶም ተዛዚሙን ስራሕቲ ፈተነ ተገይሩሎምን ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ሓቢሮም።

እቶም መተንፈስቲ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍሰት ማይ ኣባይ ናይ ምሕላፍ ዓቕሚ ከምዘለዎም ተገሊፁ።

እቲ ግድብ እንትመልእ ማይ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘለዎ ፍሰት ንክውስኽ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘሎ ፍሰት ማይ ከምዘይቕንስ መረጋገፂ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.