Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ገደብ እቶእቶ ሰዓት ተሸከርከርቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ገደብ እቶእቶ ሰዓት ተሸከርከርቲ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምምሕዳር እናተርኣየ ዝርከብ ምጭንናቕ ስዒቡ ዝፍጠር ምትዕፅፃው መገዲን ምትእጉጓልን ንምንካይ ተሓሲቡ ዝተመሓላለፈ ገደብ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እቲ ገደብ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ክሳብ ምሸት ሳት 12 ናብ ውሽጢ ከተማ ምእታው ይኹን ኣብ ውሽጢ ከተማ ምንቅስቓስ ዝእግድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ኮሚሽን ናብ ከተማ ምእታወር ይኹን ኣብ ውሽጢ ከተማ ምንቅስቓስ ፈቒዱ ዘሎ ካብ ምሸት ድሕሪ ሰዓት 12 ክሳብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጥራሕ ከምዝኾነ ካብ ፖሊስ ድሬዳዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.