Fana: At a Speed of Life!

ዝተረፉ ፀወታታት ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ 23 መጋቢት ጀሚሮም ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተረፉ ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ 23 መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ክካየዱ ኢዮም።

ማሕበር ኣክሲዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር 2015 ዓ.ም ዝጅምረሉ ቀፃሊ መርሃ ግብሪ ንጋንታታት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ካብ መበል 17 ክሳብ 27 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳን ክካየዱ ኢዮም፡፡

ሙሉእ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ኣብ ቀረባ እዋን ንጋንታታት ከምዝገልፅ ካብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.