Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዘዳለዎ ዘተ ተሳቲፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዘዳለዎ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ተሳቲፉ።

ፓርቲ ብልፅግና ብምውካል ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን እቲ ፓርቲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

ዶክተር ቢቂላ፥ ኣብ ስራሕቲ ምንካይ ድኽነትን ጥዕናን ዘመዝገቦም ዓወታት ንኣፍሪካን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ኣብነት ኢዩ ክብሉ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተዛሪቦም፡፡

ብኣሰናዳእነት ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ዝተዳለወ እቲ ዘተ፥ ፓርቲ ብልፅግና ሓዊሱ ካብ 80 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 300 ፓርቲታት ፖለቲካ ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

እቲ ዘተ “ዝሐሸት ዓለም ንኹሉ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ምንካይ ድኽነት ትኹረት ብምግባር ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ቻይና ኣብ ፕሮግራም ወፍሪ ምንካይ ድኽነት ብኸመይ ኣብ ሓፂር እዋን ብዝተዋደደ ኣካይዳ ካብ ድኽነት ከምዝወፅአት ተሞክሮኣ ንሃገራት ዓለም ምቕራባ ተሓቢሩ፡፡

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ሰለስተ ርቲታት ፖለቲካ ማለት እውን ፓርቲ ብልፅና፣ ፓርቲታት ፖለቲካ ግብፂን ቶጎን ሓሳቦምን ርኢቶኦምን ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.