Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ኬንያ ዕላዊ ዑደት ሰራሕ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኬንያ ዕላዊ ዑደት ሰራሕ ጀሚሮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ናይሮቢ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሑ÷ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ኣልፍሬድ ሙታ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝገብሩዎ ዑደት÷ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራትን ርክበን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.