Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ካፍ ኣሕመድ ኣሕመድ ብቫይረስኮሮና ከምዝተታሓዙ ተረጋጊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ሞሮኮ ናብ ካይሮ ምስተመለሱ ቅልል ዝበለ ምልክት ሰዓል ምርኣዮም ስዒቡ ብዝተገበረሎም ምርመራ፥ ሎሚ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ፕሬዚዳንት እንተነኣሰ ንዝቕፅሉ 14 መዓልቲታት ንባዕሎም ናብ ውሸባ ኣእትዮም ከምዝፀንሑ ካፍ ገሊፁ።

እቲ ፌዴሬሽን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልቲታት ብፍላይ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስቶም ፕሬዚዳንት ንኽክእ ዝነበሮም ሰባት ንባዕሎም ፈሊዮም ክፀንሑን ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስዱን እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.