Fana: At a Speed of Life!

ሃረሬታት ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ኮይኑ ኢዩ – ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃረሬታት ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ገሊፆም።

ብወገን ሃረሬታት ብድምቀ ዝኽበር ድሮ በዓል ዒድ ሸዋል ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ምኽባር ጀሚሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፥ ሃረር ወናኒት ዝደንፈዐ ክብሪን ኢያ፤ ብፍላይ በዓል ዒድ ሸዋል መንእሰይ ክፋል ሕብረተሰብ ብናፅነት ዝንቀሳቐሱሉ ኢዩ ኢሎም።

ሀረሬታት ፍቕሪን ምትሕብባርን ካብ ቀደምቶም ብምቕባል ንዝቕፅል ወለዶ ኣብ ምምሕልላፍ እናተዋፅኡዎ ዝርከቡ ግደ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ዝሳገር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ናሲሴ ጫሊ ብግደአን፥ ሃረር ትውፊታዊን እምነታዊን ባህሊታት ዝንፀባሩቑላ ከተማ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ፍቕሪን ሕብረትን ባህሉ ዝኾነ ህዝቢ ሃረር ኣብ ዕለት በዓል ዒድ ሸዋል ደሚቑ ዝረአየሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ዒድ ሸዋል ኣብ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዩኔስኮ ከምዝተመዝገበ ብምዝኽኻር፤ እቲ በዓል ኩሉ ዘኽብሮ ምዃኑ ንኽምዝገብ ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ ኢለን።

ሕዚ እውን እቲ ክልል ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዘይተቖጠበ ሓገዝ ከምዝግር እውን ኣረጋጊፀን።

ብወንድሙ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.