Fana: At a Speed of Life!

ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ብፅንፈኛ ሓይሊታት ዝበፅሕ ጥቕዓት ኣይንዕገስን – ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ብፅንፈኛ ሓይሊታት ዝበፅሕ ጥቕዓት ከምዘይንዕገስ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ክልላዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ብሓይሊታት ፀረ ሰላም ከምዘይተዓናቐፍ ገሊፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ደቡብ እናተፈጠሩ ዝነበሩ ፀገማት ፀፅታ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድን ኣድላዪ ስራሕቲ ምኅባር ሕጊ ብምስራሕን ዝኸፍአ ሓደጋ ከይበፅሕ እናገበረ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር እናተኻየደ ዝርከብ ጎንፂን መጥቃዕቲን ንሃገር ይኹን ንኹሎም ተኸተልቲ እምነታት ዝረብሕ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ እምነትን ምእመናንን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

ብፍላይ እቲ ተግባር ናይ እምነት ይኹን ብሄር ተምሳሌት ናብ ዝኾነት ክልልና ንምምፃእ ዝግበር ፈተነ ብዝተሓባበረ ቅልፅም ንምፍሻል ህዝቡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ክንቀሳቐስ ከምዝግበኦ ኣፈገንዚቡ።

ሃይማኖት ሽፋን ብምግባርፅንፈኛ ሓይሊታት ዘብፅሑዎ መጥቃዕቲ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዘይዕገስ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ዞባ ስልጤ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ ናብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ከይዛመት ደላዪ ሰላም ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ሰላም ከባቢኡ ክሕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.