Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ትካላት ፀፅታ ዝተገበረ ሪፎርም ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፀአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ትካላት ፀፅታ ዝተገበረ ሪፎርም ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፀአ ሓላፊ ዋና መምርሒ ሕብረት ስልጠና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀነራል ይመር መኮንን ገሊፆም።

ሌተናል ጀነራል ይመር መኮንን ነዚ ዝበሉ፥ “ለውጢ ኣካላት ፀፅታን ፀጋታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማትን ወታደራዊ ስቪል ርክብ” ብዝብል ኣብ ዝተዳለወ ፓነል ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ስዒቡ ኣካላት ፀፅታ ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ውግንናን ነፃ ዝገበረን ረብሓ ሃገር ዘቐደመን ሪፎርም ትካላት ፀፅታ ተኻይዱ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ስግኣታት ፀፅታን ድሕንነትን እዛ ሃገር ዘገናዘበ ዓምዩቕ ስራሕቲ ለውጢ ከምዝተፈፀመ ብምግላፅ፥ ብስልጠናን ኣወዳድባን ትካላት ፀፅታ ጠንካራታት ንክኾና ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ዝተመዝገበ ዓወት ኣብ ትካላት ፅታ ዝተፈፀመ ሪፎርም ዕውትነት ብግልፂ ከምዘርእይ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.