Fana: At a Speed of Life!

ፋውንዴሽን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን  ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎ ሽርክና ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ዝተመርሐ ልኡኽ ብዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋውንዴሽን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን  ምስ ዝተመርሐ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ኣጀንዳታት ጥዕና ጠመተ ብምግባር ተላዚቡ።

ዶ/ር መቅደስ፥ ኣብ ዝተሰርሑ ብዙሓት ስራሕቲ ዘተባብዑ ውፅኢታት ምምዝጋቦም ገሊፀን።

ካብ እዋን ናብ እዋን ክብ እናበለ ዝመፅአ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ምዕጋብ ዝተረፉ ብዙሓት ስራሕቲ ኣለዉ ኢለን።

ተበፃሕነትን ፅርየትን ኣገለግሎት ጥዕና ካብ ክልል ናብ ክልል ይኹን ካብ ገፀር ናብ ገፀር ከምዝፈላለ እውን ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ፈላሞት ኣጀንዳታት ዓውዲ ጥዕና፥ ምጥንኻር ሓይሊ ሰብ፣ ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ክብ ምባል፣ ዲጂታል ጥዕና፣ ስርዓተ ምግብን ዘላቕነት ዘለዎ ፋይናንስ ጥዕና ኢዮም ኢለን።

እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ምጥንኻር ዓውዲ ጥዕና ንነዊሕ እዋን ንዝገበሮ ደገፍ አመስጊነን።

ማርክ ሱዝማን በግደኦም፥ ፋውንዴሽን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን  ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎ ሽርክና ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.