Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ክየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ከምዝሳለጥ ሚኒሰትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እቲ መድረኽ መናእሰይ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝዳለዉ ፖሊሲታት ጥዕናን ፕሮግራማትን ዝዛተዩሉ ከምኡ እውን ዘለዎም ኣመለኻኽታን መፍትሒ ሓሳብን ዘቕርቡሉ መድረኽ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ኣፍሊጠን።

ጥዕና መሰረት ኩሉ ነገር ከምዝኾነ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ “ብዛዕባ ጥዕናና ንዛረብ፣ ንላዘብ፣ ከምኡ እውን ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ንኣልሸሉ” ኢለን።

እተን ሚኒስትር ናይ ቀፃሊ ጥዕናና ንተልም፣ ንዘቲ፣ ንተግብር ከምኡ እውን ለውጢ ነምፅእ ክብላ ፀዊዐን።

ቀዳማይ ሃገር ለኸ ፎረም ጥዕና መናእሰይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ።

ክሳተፉ ዝደሊዩ መናእሰይ ቀፂሎም ኣብ ዝተሓበሩ ሓበሬታታት ብምእታው ምምዝጋብ ከምዝከኣል እውን ተገሊፁ።

https://eyhf.eventbrite.com/ ወይ ድማ

http://ethioyouth.org/

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.