Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ብ65 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ፤ ወሰን ዕድመ ሰብ ድማ ብ14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዓመት ወሲኹ – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ብ65 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ እንተዓቢ፤ ወሰን ዕድመ ሰብ ድማ ብ14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዓመት ክብ ምባሉ ፕግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ናይ ዓመተ 2019 ፀብፃብ ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ድማ ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2000 ንደሓር ብ65 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ተፈሊጡ።

ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወሰን ዕድመ ሰባት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ብ14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ክብ ምባሉ ኢዩ እቲ ፀብፃብ ዝሓበረ።

ሃፍቲ ልምዓት ሰብ ኢትዮጵያ ብ65 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምዕባለ ዋላ እንተርኣየ፥ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ምስ ዝርከባ ሃገራት እንትነፃፀር ግን ትሑት ምዃኑ በቲ ሪፖርት ተገሊፁ።

ብመንፅር ምሕላው ማዕርነት ፆታ እንትረአ ድማ፥ ኢትዮጵያ ካብ 162 ሃገራት ኣብ መበል 123 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብርቱዕ መዋእለ ንዋይ ፈሰስ ክትገብር ከምዝግባእ እውን እቲ ሪፖርት ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.