Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ካዛን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ብብር 4 ነጥቢ 7 ቢሊየን ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ልምዓት መስኖ ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ካዛን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ብብር 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ንምህናፅ ዘኽእል ምስ ሰለስተ ተቛረፅቲ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ኮሚሽን ዝተፈራረሞ ስምምዕነት፥ ምስ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ፣ ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮንስትራክሽን ሱርን ኢንተፕራይዝ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ ዓፋርን ኢዩ።

እቲ ስምምዕነት፥ ህንፀት ግድብ ካዛን ተተሓሓዝቲ ስራሕቲ ሎት ሓደ፣ ልምዓት መስኖ ካዛን ስራሕቲ ዲሬይኔጅ ሎት ክልተን ከምኡ እውን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ፅገና ፕሮጀክት መከላኸሊ ውሕጅ ዳይክን ንምስላጥ ዘኸእል ምዃኑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ ህንፀት ፕሮጀክት ግድብ ካዛን ተተሓሓዝቲ ስራሕቲን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ብብር 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን፣ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ካዛን ስራሕቲ ዲሬይኔጅን ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮንስትራክሽን ሱር ብብር 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን፣ ከምኡ እውን ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ፅገና ፕሮጀክት መከላኸሊ ውሕጅ ዳይክን ኢንተፕራይዝ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ ዓፋር ብብር 433 ሚሊየን ወፃኢ ከምዝስርሑ ተገሊፁ።

ህንፀት ልምዓት መስኖ ግድብ ካዛ ሎት ሓደን ክልተን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ዝዛም እንትኸውን፥ ዳግመ ህንፀትን ፅገናን ተንዳሆ ፒ.ሲ.16ን ፅገና ፕሮጀክት መከላኸሊ ውሕጅ ዳይክ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ዝተረኸቡ ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ተቛረፅቲ፥ እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንምዝዛም ፃዕሪ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.