Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ክልላት ተኸታታልነት ዘለዎ ትንኮሳ ይፍፅም ኣሎ-ቢለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ክልላት ተኸታታልነት ዘለዎ ትንኮሳ ይፍፅም ኣሎ ክብላ ፕሬስ ሴክሬታሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢለኔ ስዩም ገሊፀን።

ቢለኔ ስዩም ሎሚ መዓልቲ ንውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተኸታታልነት ዘለዎ ትንኮሳ ይፍፅም ኣሎ ኢለን።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ንብረት ውልቀ ሰባት ምዝራፉን ምዕናዉን ተዛሪበን።

መነግስቲ ኣብ ትግራይ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ምውሳኑ ብምሕባር፥ ህወሓት ነዚ ምጥሓሱ ሓቢረን።

እዚ ድማ ብፍላይ ንፀገም ዝተቓልዑን ረድኤት ዝደሊዩን ዜጋታት ተበፃሕቲ ኣብ ምግባር ንዝግበር ፃዕሪ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ኢዩ ኢለን።

ብተወሳኺ ሽዱሽተ ስደተኛታት ኤርትራ ብኣሸባሪ ህወሓት ከምዝተቐተሉ ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ህፃናት ንውትህድርና ብምምልማል ንፁሃን ከም መሕብኢ ይጥቀም ከምዘሎ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዘሎ ኣረዲአን።

መላእ ህዝቢ እዚ ተግባር ኣሸባሪ ብዕሊ ከምዝተቓወመ ኣብ መግለፂአን ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.