Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ብቫይረስኮሮና ተለኺፉ ዓቕሚ ምፅዋር ከጥሪ ኣለዎ ምባል ዘይሞራላዊ እዩ – ዶ/ር ቴድሮስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ህዝቢ ብቫይረስኮሮና ተለኺፉ ዓቕሚ ምፅዋር ከጥሪ ኣለዎ ምባል ዘይሞራላዊ እዩ።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ብምፍቃድ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ከማዕብሉ ምግባር ዘይሞራላዊ እዩ ኢሉ ክብሉ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ።

“ሀርድ ኢሚዩኒቲ” ዝፍጠር መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ክታበት ረኺቡ ወይከኣ እቲ ሕማም ብብዝሒ ተመሓላሊፉ ሰባት በቲ ቫይረስ ዘይጥቅዕሉ ኣካላዊ ተፃዋርነት ክፈጥሩ እንከለዉ እዩ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።

ገለ ሰባት ብዘይ ክታበት እቲ ቫይረስ ከምድላዩ ክዝርጋሕ ክፍቀደሉ ከምዘለዎ ክካትዑ ጸኒሖም እዮም።

ይኹን እንበር እቲ ኣካይዳ ብሳይንስ ኮነ ብስነ-ምግባር ፀገም ዘለዎ እዩ ክብሉ ዶክተር ቴድሮስ ገሊፆም።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 37 ሚልየን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ 1 ሓደ ሚልየን ድማህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበርዎ ጋዜጣዊ መግለ፥ ሀርድ ኢሚዩኒቲ ዝፍጠር ሰባት ነቲ ቫይረስ ኣቃሊዕኻ ዘይኮነስ ንሰባት ካብ’ቲ ቫይረስ ሓሊኻ እዩ ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ ኣሸምባይ ዶ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ለበዳ ንፎኪስ ለበዳ’ውን እንተኾነ ሕማም ይጋፋሕ’ሞ ተፃዋርነት ክንፈጥር’ ዝብል ኣካይዳ ኣይነበረን ክብል ድማ ተኻቲዖም።

ኣብ ብዙሓት ዓድታት ብዝተገበረ ምርመራ፡ 10 ምኢታዊት ህዝቢ ጥራይ እዩ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፥ ኮቪድ-19 ከምድላዩ ክጋፋሕ ምፍቃድ ዘይተደለየ መልከፍትታት፣ ስቓይን ሞትን ምፍቃድ ማለት እዩ እውን ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.