Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሉ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክኹንኖ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሉ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ሃገር ናይ ምህናፅ ዘኹርዕ ታሪኹ ብምሕላው እኩይ ተግባር ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክኹንኖ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣመራርሓታት ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ክልል ጋምቤላ ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተዛቲዮም።

ሓላፊ ዘፈር ውድብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብርፃዲቅ ገብርመድን ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ተግባር ጥፍኣት እናፈፀመ ይርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ብሽርሒ እቲ ግብረ ራዕዲ እንተይተታለለ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ህንፀት ሃገር ዘለዎ ዘኹዕ ታሪኽ ክሕሉ ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ እንትትሃሉ ጥራሕ ኢዩ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝህሉ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ፀገማት እንተሃሊዮም ብልዝብ ምፍታሕ ከምዝከኣልን እኩይ ተግባር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምግንዛብ ነቲ ተግባር ክኹንኖ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኲናት መዕነዊ ከምዝኾነ ዝግንዘብ ይኹን እምበር ህልውና ሃገር ንምሕላው ክብል እቲ ጉጅለ ናይ ምውጋድ ስራሕ ኣማራፂ ዘይብሉ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብጺቡ።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ሃገር ክነፍርስ ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ ሕዚ እውን እንተኾ ሃገር ንምፍራስ ዝተሃቀነ ፀገም ንምፍታሕ ብትኹት ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.