Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንኹም ኢዩ – ዲ/ን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ) ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ ዝተቐተሉ ዜጋታት ኣብ ከተማ ንፋስ መውጫ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተኻይዱ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት ብዙሓት ንፁሃን ምስ ቀተለ ቀብሮም ከይፍፀምን ስድራ ግዳያት ከይበኽዩ ብምኽልካል ኢሰብኣዊ ተግባር ፈፂሙ ኢዩ ተባሂሉ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ጋይንት ብግፍዒ ዝተቐተሉ ሰባት ዘመድ ኣዝማድ ተኣኻኺቦም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተኻይዱ፡፡

ካብ ፈፀምቲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብቲ ከባቢ ዑደት እናገበረ ዝርከብ ልኡኽ ንስድራ መወትቲ ኣፅናዕኒዑ።

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ሙዐዘ ጥበባት ዳንኤል ክብረት÷መብዛሕተኦም መወትቲ መናእሰይ እዮም፤ ነዓና ክብሉ ተሰዊኦም ኢዮም፤ እዞም መወትቲ ንዘለኣለም እናተዘከሩ ክነብሩ ኢየም” ኢሎም

 “ንስኻትኩም እውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንኹም ኢዩ፤ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ደም ንፁሃን ኣፍሲሱ ኣይተርፍን” ክብሉ ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.